ንውላድኩም ‘ትኹረት ምሃብ/Tuning in’

እዙይ ትኹረት ምሃብ ወለዲ ንናይ ውላዶም ስሚዒትን ኣተሓሳስባ እንታይ ከምዝኾነን ውላዶም እንታይ ከምዝደልዩ ንምፍላጥ ዘኽእል ሜላ ይኸውን። ኣሞንጎ ውላዶምን ባዕሎም ዘየስግዕ፣ ኣወንታዊን ሓጋዚ ዝኾነ ረኽቢ ንምፍጣር ናይ ትኹረት ምሃብ/ Tuning in’ መሰረታዊ ሜላ እዩ።

ህጻውንቲ ንዘለዎም ስሚዒት ልምዲ ምእንታን ንወለዲ ክፈልጥዎ ንምሕጋዝ እዚ ናይ ትኹረት ምሃብ ከምዝሕግዝን እሞ በዙይ መንገዲ ጌሮም ወለዲ ምላሽ ይህቡ እዮም።

ወለዲ ትኹረት ከምዝገብሩ ህጻውንቲ ክዛረቡ ይኽእሉ። ህጻውንቲ ወለዲ ንዘለዎም ድሌታት ከምዝፈልጡን ከምዝተቐበልዎ በዙይ መንገዲ የረጋግጹ እዮም። ምስ ውላድኩም ከቢድ ናይ ረኽቢ ደረጃ ብምፍጣር እሞ ውላድኩም ኣብዝዓብዩሉ ግዘ ኣወንታዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ መደብ ይፈጥሩ እዮም።

ንስኹም ትኹረት ክትገብሩ እንተሎ ንናይ ውላድኹም ስሚዒታዊን ባሕሪያዊ ዝኾኑ ምልኽታት ክተንብቡ ከምትኽእሉን እሞ ብግቡእ ምላሽ ንምሃብ ይኽእል። ህጻውንቲ ንዘቕርብዎ ሕቶ ምላሽ ከምዝረኽበ ክፈልጡ እንተሎ ንባዕሎም እምነት ከምዘሕደረሎምን እሞ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይነብሮም እዩ።

ህጻውንቲ ኣብቲ ዝተወለዱሉ ግዘ ጀሚሩ ብድምጺ ረኽቢ ይፈጥሩ፤ እዚ’ውን (ብምብኻይ፣ ብድምጺ ምሃብ፣ ብኣውያት) ብገጾም መግለጺ ምሃብ (ብዓይኒ ምርኣይ፣ ፍሽሽ ምባል፣ ገጾም ብምጽዋግ) ከምኡ’ውን ምልክት ብምሃብ (ብዘጭንቕ ወይኻዓ ብዘሕጉስ ነገር እግሪ ብምንቅስቓስ ምርኣይ) ይኸውን። ውላድኩም ብምልክት ረኽቢ ምግባር ክጅምር እንተሎ ምርኣይ፣ እዚ ብዓይኒ ምርእኣይ፣ ብገጽ ምንቅስቓስ፣ ድምጺ ብምሃብ፣ ብምልክትን ንዝውሃብ ምላሽ ግዜን ድሌትካ ብምርኣይ ይኸውን።

ውላድካ እንደዓበየ ክመጽእ እንከሎ ትኹረት ብምግባር እሞ ንክልቲኦም ማለት ብድምጺ ቓላትን ብምልክት ረኺቢታት ምፍጣር ይኸውን።

ንውላድካ ምፍላጥ ምጅማር

ናብ ሓዱሽ ውላድካ ትኹረት ምግባር ነቲ ቆልዓ ድሕንነት ከምዝስምኦን ከምዝፍተው ናይ ምርግጋጽ ምልክት ይኸውን። ውላድኩም ክበኽይ እንከሎ ብትኹረት ምርኣይ እሞ ከምዝጠመዮ፣ ከምዝደኸመ፣ ዝልወጥ ጨርቂ ሽንቲ እንተሃልይዎ ንምፍላጥ ወይኻዓ ክሕቆፍ እንተደሊዩ ንምፍላጥ ይሕግዝ እዩ።

ኣብ ዕቤት ንዘለዉ ህጻውንቲ ትኹረት ምግባር እሞ ቆልዓ ጸው ዝበለ ግዜ እንተደሊዮ፣ መጻንሒ ጠዓሞ መግቢ ናይ ምንቅስቓ ለውጢ እንተደሊዩ ንምፍላጥ ይኻኣል። ኣብ ክልተ ዓመት ዕድመ ውላድካ ብዘይምኽንያት ክበሳጨው እንከሎ ትኹረት ብምሃብ እሞ ኣብዝተወሰነ ግዜ ውሽጢ ምላሽ ምሃብ ጥራይ ከይኾነስ የግዳስ ከበሳጭዎ ዝኻኣለ እንታይ ከምዝኾነ ምፍላጥ ይኸውን። ውላድካ ደኺሙ’ዶ፣ ሓሪቑ ተበሳጪ’ዶ ወይኻዓ ተጎዲኡ’ዶ?

ትኹረት ናይ ምግባር ክዕለት ካብ ትዕግስቲ፣ ልምዲን ንውላድኻ ብደንቢ ጌርካ ካብ ምፍላጥ ተታሓሒዙ ዝመጽእ እዩ።

ትኹረት ምሃብ/ Being tuned in’

ኣስተውእሉ፡ ነንሕዲሓዲኡ ህጻን በዙይ ዓለም ድሌቱ ክማላዕ ዝገልጸሉ ናይባዕሉ ዝኾነ ናይ መራኸቢ ሜላ መፍለይ ይነብሮ እዩ።

ንውላድካ ብደንቢ ምስትዋአል። ውላድካ ምልክት ንምሃብ/tick’ እንታይ ከምዝገብር ክትምሃር ይግባእ።

ኣብ ውላድኩም ሰብነት ስለዝፍጠሩ ኩነታት፣ ተፈጥሯኣዊ ግላዊ ባሕሪ ምፍላጥን ምልማድ ይኸውን። ውላድካ ብዛዕባ ምጥማዩ ኸመይ ጌርካ ትፈልጥ? ንናትኹም ቐልቢ ከምዝደለየ ብከመይ ጌርካ ትፈልጥ?

ንናይ ውላድካ ምንቅስቓስ፣ ንዘለዎም ድምጺን ምንቅስቓሳት መጠን ክልውጡ ክትተሓባበሩዎም ይግባእ።

ብዛዕባ ውላድኩም ጥንካረን ፍቓደኝነት ምምሃር ይግባእ። ክሕጎሱ እንከሎ ብኸመይ ጌሮም ይገልጹልኩም? ብቐሊል ኩነታ ይሓርቑ’ዶ? ኣብ ዝበሳጩውሉ ግዜ ሱቕ ይብሉ’ዶ?

ውላድኩም ምልክት ክገብሩ፣ ክጥምቱን ድምጺ ከስምዑ እንከሎ ምላሽ ምሃብ። ኢዱ ንላዕሊ ክገብር እንከሎ ኣብዘለዎ ምልዓል፣ ጽን ኢልኻ ሰሜእኻ ብቐሊል ቓላት ምዝራብ። ‘ክትልዓል ትደሊ’ዶ?

ንውላድኩም ኣዘራርቡዎ ከምኡ’ውን ጽን ኢልኩም ምስማዕ።

ንናይ ውላድኩም ስሚዒት ኽብሪ ምሃብን ኣብ ግምት ውሽጢ መታው እዩ።

ንናትኩም ኣካል ምንቅስቓሳት ዘለዎም መልእኽቲ ምፍላጥ። ምስቲ ቆልዓ ብዘረባን ብምልክት ዘለኩም ረኽቢ ሓደ ዓይነት’ድዩ?