ብዓይኒ ህጻን

ንእስቱ ህጻውንቲ ዓቢ ለውጢ ከምጽኡ ይኽ እሉ እዮም።

ንደቅና ዝያዳ ምስ ንርድኦም ዝያዳ ክንሕግዞምን ክንድግፎምን ንኽእል። ሓደ ነዚ ክንገብረሉ ንኽእል መንገዲ ብዛዕባ ኣብ ህጻንነትና ዝነበረና ተዘክሮታት ብምሕሳብን ንዓለም ብዓይኒ ህጻን ምስንግምታ እዩ።

ቆልዐ ምዃን ከመይ ይመስል ምንባሩ ዘክር …

ብዛዕባ ውላድኻ ዘለኻ ዘጋጠመካ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት ሕሰብ። እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ሕወትካ ኾነ ኣብ ዝምድናታትካ እንታይ ዓይነት ጽልዋታት ጌሩልካ።

ነዓኻ ኣገዳሲ ዝነበረ ውለድኻ ዝበሉዎ ወይ ዝገበርዎ ነገራት እንታይ ኔሩ?

ንውላድኻ እንታይ እንተዝብሉ ወይ እንተዝገብሩ ትፈልጥ’ዶ?

ንውላድኻ እንታይ ዓይነት ተመኩሮታት ክዝከር ትደሊ?

ህጻውንቲ ካብ ዓበይቲ ጐርዞ ብዝተፈለየ መንገዲ’ዮም ዝሕሰቡ። ንዝኾነ ነገር ወይ ኩነታት፤ ክምቲ ዚበጽሓ ዓቢ ሰብ ዝርድ ኦ ከርድ ኦም ኣይኽ እሉን’ዮም። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ስድራቤት ንዝርኸብ ምግርጫዋት፣ ናቶም በደል ኾይኑ ክስመዖም ይኽእል።

ነብስኻ ኣብ ቦታ ውላድካ አቕሚጥካ፣ ኣብ ዓለም ዘለውዎም ተሞክሮታት ክትርዳእ ፈትን። ከባቢኻ ዘሎ ኩሉ ዓቢ ኾይኑ ንስኻ ጥራሕ ንእሽተይ እንተኾይንካ ከመይ ምተሰመዓካ? ስሚዒትካ ብቓላት ክትገልጽ እንተዘይኪኢልካ ከመይ ምተሰመዓካ?

ከም ዓበይቲ መጠን ንቆሉዑት ክነኽብሮን ክነሞጉስን ሓለፍነት እዩ።

  • ብዛዕባ ንሂወቶም ዝትንክፍ ነገራት ኣማኽሮም። ከም ዓበይቲ ሰብ መጠን፣ እቲ ደቅና ዝደልዮምን እቲ ነዚኦም ይሓይሽ ንብሎን ክነመዛዝን ክንክእል ኣለና። እንዳዓበዩ ክመጹ ከለውን፣ ኣብ ንሂወቶም ዝትንክፍ ነገራት ርእይቶኦም ንክገልጹ ዕልድ ሀቦም። ንውላድካ ምርጫታት ሀቦም እሞ ነቲ ምርጫኦም’እውን ክትቅበሎ ቅሩብ ክትኸውን ኣለኻ።
  • ውላድካ ንሓላፍነት ክወስዱ ተሓባበሮም።
  • ናይ ውላድካ ኣተሓሳስባ ኾነ ስሚዒት ካብ ናትኻ ከምዝፍለ ተረዳእ።
  • ንህጻውንቲ ተሰማዕነት ከምዘለዎም ኣረጋግጸሎም። ብዛዕባ ነብሶም ጽቡቕ ክስምዖም እንተዳኣ ኾይኑ፣ ክብረት ከምንህቦም ክፈልጡ ኣለዎም።
  • ኩሉ’ቲ ፍሉያት ዝገብሮም ከነሞጉስን ክነኽብርን ኣለና።
  • ህጻውንቲ ዑቑባትን ድሕንነቶም ዝተሃለወን ከምዝኾኑ ግበር።

ህጻውንቲ ንኸዓብዩን ከምዕብሉን ናትኻ ሓገዝ የድልዮም።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.

ደገፍ ምርኻብ 

ናትና ተቆጻጸርቲን ተወካላይ ኣምባሳደራት ብዛዕባ መሰላት ሕጻውንቲ ዓቢ ጠመት ብምሃብ እሞ ክሳብ ናይ ሕጻን ዓመጽ ደርጃ ተጌሩ ይውሰድ።

Find Help