ምዕባይ ቆልዓ ክሊቲኦም ወለዲ ኣብ ዝሰርሑሉ

ክልቶኦም ዝሰርሑ ወለዲ ንናይ ስራሕን ስድራቤት ድሌታት ብተማጣጠኒ ንከማልኡ በዳሂ ክኸውን ይኽእል። ንስድራቤትካን ደቅኻን ድሌታት ኣብ ግምት ዘእተወ ጥንቁቕ መደባት ምውጻእ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ገለ ጻዕቂ ስራሕን ናብራ ስድራቤትን ዘምጽኦ ጨንቀታት ከጣቓልል ይኽእል።

ኣብ ስራሕ ከለኹም ንውላድኩ መውዓለ-ክንክን-ቆልዑ ኣብ ምምራጽ ግቡእ ግምታት ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እንተዳአ ቅድመ-ትምህርቲ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣልዉኹም ንዓኻትኩምን ንቆልዓኹምን ዝምችእ መውዓለ-ክንክን-ቆልዑ ምምራጽ ወሳኒ እዩ። እንተ ዳኣ ንትምህርቲ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣለዉኹም ቅድሚ ቤት ትምህርትን ድሕሪ ቤት ትምህርት ክንክን ረኺቦም ዝጸንሑሉ የድልዮም ይኸውን። ብዙሓት በብዓይነቶም ክንክን እንዳረኸቡ ዝጸንሑሉ ክርከብ ይካኣል፡ ብፍላይ ካኣ ንቅድመ ትምህርቲ ዝዕሚኦም እንተሎ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ኣብ ከባቢ ገዛውቶም ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነት ማእከላት ክንክን ዝህቡ ኣለዉ።

ንውላድኩ ዝምችእ ዓይነት መውዓለ-ክንክን-ቆልዑ ክትመርጹ ፈትኑ። ናብ ቤት ትምህርቲ ኮነ ናብ መውዓለ-ክንክን-ቆልዑ መን ከም ዘብጽሖምን መን ናብ ገዛ ከም ዝመልሶም ክትሓስቡሉ ይግባእ። መን ኣብ ስራሕ ናይ ስራሕ ተዓጻጻፍነት ሃልዩዎ፡ንናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ናይ ቆልዑ ድሌት ክስተኻኸል ከም ዝኽእል ተማያየጡ። እንተ ዳኣ ሓደ ካብ ወለዲ ኮይኑ ነዚ ክገብሮ ዝኽእል፡ እቲ ካልእ ወላዲ ኣብ ናይ ሰከም ምምቕራሕ ኣብ ናይ ኣተዓባብያ ቆልዓን ዋኒን ስድራቤትን እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ምርድዳእ።

ሕሙም ቆልዓ ምእላይ ኣብ ክልቲኦም ዝሰርሑ ወለዲ ኣዝዩ ወጣሪ ክኸውን ይኽእል። ቆልዑ ክሓሙ ግድነታዊ እዩ። ቆልዓ ኣብ ዝሓመሉ ግዜ ሓደ ወይ ክልተ ኣካለ መጠን ዝበጽሑ ምናልባት’ውን ኣባላት ስድራቤት ነቲ ቆልዓ ክከናኸኑ ዝኽእሉ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላው ጠቓሚ እዩ።

ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ዝሰርሑሉ ግዜ ኣብ ቆልዑ ምእላይ ኮነ ገዛ ንምክያድ፡ ነፍሲወከፍ ማዕረ ከበርክት ይድለ። ክልቲኦም ወለዲ ከም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንክልቲኦም ብሓባር ዘሕልፉዎ ንዖኦም ዝኸውን ግዜን ንስድራቤት ዝኸውን ሓቢሮም ዘሕልፉዎ ግዜን ክፈልዩሉ የድሊ። ቆልዑ እቲ ስድራቤት ናቶም ምዃኑ ክስምዖምን ኩነት ዘይብሉ ፍቑራት ክኾኑን የድዮም።

ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ዝሰርሑሉ ግዜ ስራሓት ገዛ ምምቕራሕ ኣገዳሲ እዩ። እንተዳኣ ሓደ ካብ ወለዲ ንበይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ ዝስምዖ ኮይኑ ክማረር ወይ ቅር ክብሎ ይኽእል። ዓበይቲ ቆልዑ ኣብ ናይ ገዛ ዋኒን ክሕግዙ ይኽእሉ ነቲ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ዘሎ ንወለዶምን ወይ ንናይ ውልቀ ንጥፈታትን ገዲፎም ቐዳም ንግሆ ኩሎም ኣባላት ስድራቤት ንብዙሕ ሰዓታት ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ይዋፈሩ። ኣብ ክልቲኦም ዝሰርሑ ወለዲ፡ ነፍሲወከፍ ወላዲ ንዑኡ/ንዓኣ ዝኸውን ግዜ የድዮ/የድልያ። ሓደ ወላዲ ኣብ ቆልዑ ሓልፍነት ክወስድ ከሎ እቲ ሓደ ንዑኡ ዘድልዮ ነገራት ዝገብረሉ ወይ ንጥፈታት ዝገብረሉ ወይ ዘዕርፈሉ ግዜ ንክህልዎ የኽእሎ።

ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ዝሰርሑሉ ግዜ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ኮይኖም ዘሕልፉሉ ግዜ ንምርካብ የጸግሞም። ገለ ስድራቤታት ንገለ ግዚያት ንዓኣቶም ግዜ ምእንቲ ክህዎም ኣብ ክንዲኦም ካልእ ሰብ ንደቆም ዝኣሊ ዘድልዮም ኮይኑ ይስምዖም። ወለዲ ብሓባር ኮይኖም ዝድሰቱሉ፡ ነንሓድሕዶም እንዳተሳናነዩ ናይ ዓበይቲ ንጥፈታት ዘካይዱሉ ናይ ብሕቶም ግዜ የድልዮም።