ባሕሪያት ህጻናት ምስትኽኻል

ህጻውንቲ ምስፍልጠቶም ኣይኾኑን ዝውሰዱ። ስለዙይ ሕማቅን ጽቡቕን ፈላሊዮም ክፈልጡ ኣይኽእሉን እዮም። እንተኾን’ውን ንዓኻን ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ካልኦትን እንዳራ ኣዩ ዝማሃርዎ ጠባያት እዮም ሒዞም ዝዓብዩ።

ወለዲ ደቆም መስተውዓልቲ ሓልዮት ዘለዎም ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ክኾኑሎም ይምነዩ። እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ዝኽእል መንገዲ ሜላታት ይፈላለ ከምኡ’ውን ምስ ግዜ ይቕየር።

ወለዲ ንደቆም ከምቲ ንሶም ዝዓበዩሉ ኣገባብ ጌሮም ከዕብዩዎም ይደልዩ። እንተዳኣ ኣግባብ ኣተዓባብያኻ ክትቕይሮ ደሊኻ፣ ግዜን ዓቕምን የድልየካ። እንተተጋጊኻ’ውን ደሓን እዩ።

መቕጻዕቲ ምስ ስነ-ስርዓት ኣንጻር ምዃን

ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ክቐጽዑ ዘይፍቀደሎም መሲሉ ይስምዖም።

ነብሲወከፍ ህጻን ብዛዕባ ነብሱን ከባቢኡን ኣብ ዝማሃረሉ ግዜ ድሕንነቱ ንምርግጋፅ ስነ-ስርዓት ንሓዝ የድልዮ።

ስነ-ስርዓት ምሓዝን መቕጻዕቲን ሓደ ኣይኾነን። ዲሲፕሊን ስነ-ስርዓት ካብ ላቲን ዝመጸ ቓል ስለዝኾነ ምምሀር ማለት እዩ።

መቕጻዕቲ ግን ሳዕቤን ናይ ጌጋ ኾይኑ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠባያት ኣብ ምንእራም የትኩር። እንተኾነ ግን ህጻውንቲ ብመቕጻዕቲ ብዝሰሓተ ጥራይ እዮም ዝምሃሩ።

ዕላማ ናይ ስነ-ስርዓት ንህጻውንቲ ጽቡቕ ጠባይ ክማሃሩን ኣብ ዝገብርዎ ወይ ዘርእዩዎ ጠባያት ሓላፍነት ንክወስዱ ንክሕግዞም እዩ። ቆልዑት እንዳዓበዩ ክመጹ ከለዉ ስነ-ስርዓት ይማሃሩ። ነብስቁጠባን ጠባይ ምምሕያሽን ይፈልጡ። እዚ’ድማ ነብሰተኣማመንነት ክህልዎም ወለዲ ምስዝምህሩዎምን ዝኣለዩዎምን ጥራይ እዩ።

ስነ-ስርዓት ኣብ መንጎኻን መንጎ ውላድካ ዘሎ ረኽቢ ዝምድናታት ኣብ ምድልዳል ዝተመርኮዘ እዩ።

ዕውት ዓውደፍልጠት ሕግታት ምርዳእ ከምኡ’ውን ሕጊ እንተዳኣ ተጣሒሱ ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ እዩ።

ማሕረምቲ’ኸ ከመይ እዩ?

ዕውት ዓውደፍልጠት ብዘይ ማሕረምቲ ክመጽእ ይኻኣል እዩ። እንተዳኣ ቆልዓ ሓሪምካዮ ተረዲእዎ ዘይኾነስ ስለተቐንዘወ ጥራይ እዩ ጌጋ ጠባያት ዘብሎ።

ማሕረምቲ ንቆልዓ ተገዳስነት ወይ ኣኽብሮት ክማሃሮ ኣይኻኣለን።

ብዙሕ ግዜ ዝሕረም ቆልዓ ጭኑቕ ፈራሕ ወይኻአ ዘይግታዕ ይኸውን።

ማሕረምቲ ንህጻናት ሓይሊ ምጥቃም ወይ ዓመጽ ቅቡል ዝኾነ ሽግር ትፈትሓሉ መንገዲ ምዃኑ ጥራይ እዩ ዘምህሮም።

ንቆልዓ ምሕራም ጽቡቕ ጠባይ ኣይምህሮን እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ዘሓረሞ ጠባይ እንዳጋና ከድገም ይኽእል።

መብዛሕትኡ ግዜ ህጻውንቲ ምስተሓረሙ ብጣዕሚ ስለዝሓርቁ ምኽንያት መቕጽዒኦም’እውን ኣይዝክርዎን።

ህጻውንቲ ንዓኻ እንዳተኸተሉ ካባኻ ይማሃሩ። ስለዙይ ክትዛረቦም ከለኻ ከምቲ ንሳቶም ንዓኻ ክዛረቡኻ ትደልዮም ኣገባብ ጌርካ ተዛረቦም። ከምቲ ኣብኦም ክተሪእ ትደልዮ ጠባያት ኣርኢ።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.