ነንሓድሓዲኡ ህጻን ዝተፈለየ እዩ

ከም ወላዲ መጠን ኣሞንጎ ውላድና ንዘሎ ኩነታ ብዘይምቑራጽ ምስ ካልኦት ምንጽጻር ንገብር ኢና። እዙይ ምግባር ዓቢ ምንጪ መኹርዒ ክኸውን እንከሎ ከምኡ’ውን ኣብ ውላድና ዝኾነ ጌጋ እንተሃልዩ ምንጪ ሻቕሎት ክኸውን ስለዝኽእል እሞ ከም ወላዲ ምዃና ዝኾነ ጌጋ ከምዝገበርና ኾይኑ ክስምኣና ይኽእል።

ነንሓድሓዲኡ ህጻን ዝተፈለየ እዩ። ህጻውንቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይዓብዩ እዮም። ብዝተፈላለየ ብሕታዊ ኩነታ፣ ተውሕቦን ጥንካረ ክነብሮም ከምዝኽእልን እሞ ብሕታዊ ዴቶም ንክማላዕ ብተፈላለየ ሓገዝ ከምዘድልዮም እዩ።

ህጻውንቲ ኩሎም ብርዕሶም ስጉምቲን መንገዲ ከምዝዓብዩ እዩ

ህጻውንቲ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ከምዝዓብዩን ከምዝምሓየሹ እዩ። እቲ ዘለዎም ዕቤት ጉዕዞ ክልወጥ ከምዝኽእልን ይኹን እምበር መብዛሕትኡ በቲ ዝተገመተ ዕቤት ደረጃ ከምዝኸውን እዩ። ህጻውንቲ ኣብዝተፈላለየ ግዘ ናይ ምዕባለ ደረጃ ይውንጸፉ ይኹን እምበር ኣብ ሓደሓደ ድማ ዜይቕልጡፍ ምዃን ዝተለምደ እዩ። ናይ ውላድኹም ምዕባለ ኣብዝኾነ ግዘ ቐልጢፍ እንተኾይኑ ወይኻዓ ኣብዝኾነ ዕድመ’ድማ ዝንጉዕ እንተኾይኑ - እዙይ ዝተለምደ ጉዳይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዘ ትኽኽለኛ ናይ ኣተዓባብያ ምክንኻንን ምብርትታዕ ዝረኽቡ ህጻውንቲ ኣብ መወዳእታ ግቡዕ ዝኾነ መእባለ ይነብሮም እዩ።

ኩሎም ህጻውንቲ ዝተፈላለየ ጥንኻረን ብቀሊሉ ዝጉድዑ ክኾኑ ይኽእሉ። ሓደሓዲኦም ብስፖርቲ ጽቡቕ ክኾኑ እንተሎ ካልኦት’ድማ ብሙዚቓ ይኸውን። ሓደሓዲኦም ብኣካዳሚ ትምህርቲ ብጣዕሚ በሊሓት ክኾኑ እንተሎ ካልኦት’ድማ ኣይኾኑን እዮም። ሓደሓዲኦም ብጣዕሚ ክሻቐሉ እንከሎ ካልኦት’ድማ ብዝበለጸ ይዘናግዑ እዮም። ሓደሓዲኦም ህጻውንቲ ጽቡቕ ክድቕሱ እንከሎ ካልኦት’ድማ ንዓመታት ዝኸውን ከምዘይድቕሱ እዮም።

ኣብ ትክኽል መስመር እንተኾይኖም ብርዕሶም ምትዕምማን

ብዙሕ ወለዲ “ንወላዲነት መሰሎም” ዓቢ ተጽእኖ ከምዝወሰኸሎም ኾይኑ ይስምኦም። ካልኦት’ድማ ዋላ’ዃዕ ኣብ ኽቢድ ተጽእኖ እንተሃለው እውን የግዳስ ንምዕባለ ውላዶም ድሓን ከምዘኻይዱን እሞ ውላዶም ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ መዘናግዒ ቦታን ኣብ ስራሕ ጽቡቕ ከምዝኸውን ይግምቱ እዮም።

ብዙሕ ወለዲ ከምዝብልዎ ወላዲነት ንዓቶም ብተፈጥሯዊ ዝመጽእ ኩነታ ከምዝኾነ ይስምኦም።

ወለዲ ንህጻውንቲ ኣብዘዕብዩሉ ግዘ እሞ ነንሕድሓዲኡ ቆልዓ ድሌት ብጽቡቅ ኩነታ ከምዝማላዕ ንምፍላጥ ብርዕሶም እምነት ኣይሓድረሎምን። ብዙሕ ወለዲ ብዛዕባ ወላዲነት ዘለዎም ኣቐራርባ ብካልኦት ሰባት ዝግምገም መሲሉ ይርኣዮም እዩ። ስለዙይ ብሰንኪ እዞም ልምዲታት ወለዲ ንበይኖም ክኾኑን እሞ ንብዙሕ ወለዲ ብተመሳሳሊ ዝኾነ ተመኩሮ ከምዘይጓዓዙ ጌሩ ይስምኦም።

እዞም ኩሉ ዝተለመዱ ስሚዒታትን ልምዲታት ከምዝኾኑ እዮም።

ንበይንኻ ኣይኾንካን

ናይ ውላድና ድሌትን ክዕለት በብግዚኡ እንዳናዕበለ ክመጽእ እንከሎ ናይ ወላዲ ስራሕ ተግባር ብዘይምቑራጽ እንዳተቐየረ ከምዝኸይድ እዩ። ንወላዲ ዝኸውን ሜላን ንኩሉ ዝሰማማዕ ሓደ ዓይነት ዓቕን ከምዘየለ እዩ። ንሓደ ሕጻዓ ዝሰርሕ ንካል ዜይሰርሕ ይኸውን። ህጻውንቲ ዕድሚኦም ክልተ ዓመት እንዳሃለዎ ዝስራሕ ኩነታ እሞ ዕድሚኦም ኣርባዕተ ዓመት ክኾኖ እንተሎ ከይሰርሕ ይኽእል።

ነቶም ኩነታት ተስማሚዕኻ ምቕባልን ተለዋዋጣይ ምዃን ነቲ ወላዲነት ቁልፊ መስራቲ ኣቛም ይኸውን።

ኣብዝተወሰነ ግዘ ናይ ወላድነት እምነት ምስኣን ዝተለምደ ጉዳይ እዩ። ምስ ካልኦት ወለዲ፣ ዓርኹቲን ስድራታት ሓቢርካ ንዘለካ ልምዲ ምክፋል እዩ። ስለዙይ ንስኹም ንበይንኹም ከምዘይኾንኩም ትፈልጡ።

ናይ ሓባር ልምዲታት ምክፋል ብትክኽለኛ መንገዲ ንምዃንኩም ብምርግጋጽ እሞ ዝሓሸ እምነት ከሕድረልኩም ይኽእል እዩ።

ንውላድኩም ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ከምትፈልጥዎ እምነት ክነብረኩም ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ንውላድካ ምስ ካልኦት ዘይምውድዳር ይግባእ።

ብዛዕባ ውላድካ ዘተሓሳስበኩም ጉዳይ እንተሃልዩ ወይኻዓ ብዛዕባ ወላዲነት ዝምልከት ሓገዝ እንተደሊኹም እሞ በዙይ ንናትኩም ጥንኻረ ይርኣይ እምበር ድኽመት ከምዘይኾነ እዩ።