ፍልልይና ምቕያር

ዝኾኑ ክልተ ውልቀሰባት ሓደ ዓይነት ባሕሪያት ክህልዎም ኣይኽእልን እዩ።

ዝኾነ ክልተ ውልቀሰባት ሓደ ዓይነት ባሕሪያት ክህልዎም ኣይኽእልን እዩ። መልክዖም፣ ድምጾምን፣ ኣከዳድንኦምን ክፍለ ይኽእል። ካብ ዝተፈላለየ ስድራቤት ዝመጹ ኣብ ዝተፈላለየ ገዛውቲ’ውን ይነብሩ።

ቆልዑት እዚ ፍልልያት ተቀባልነት ከምዘለዎ ክፈልጡ ወይ ክመሃሩ ኣለዎም።

ብዙሕ ግዜ ቆልዑት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎኦምን መንጎ ካልኦትን ዝርእይዎ ፍልልያት ይሓቱ እዮም።

  • "እዚ ሰብ ብዊልቸር ዝኸይድ ንምንታይ እዩ?"
  • "እዚ ሰብ ካባይ ዝተፈለየ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ ንምንታይ እዩ?"
  • "ስለምንታይ እዩ እዚ ሰብ ዝተፈለየ ኣኸዳድና ሰለዎ?"

ይኹን እንበር ቆልዑት ኣብ ካልኦት ዝርኢዎ ፍልልያት ብዘይሕቶ ናይ ምቕባል ክዕለት ኣለዎም።ስለዙይ’ድማ ምስ ዝተፈላለየ ድሕሪባይታ ዘለዎም፤ ካብ ዝተፈላለየ ስድራቤት ዝመጹ፤ ዝተፈላለየ ክዕለት ዘለዎም ህጻናት ዕርክነት ይገብሩ።

ቆልዑት እንዳዓበዩ ክመጹ ኸለዉ ነቲ ዝርኢዎ ፍልልያት ምቕባል ካብ ወለዶም ይማሃሩ። ኣብ ባሕላዊ ኾነ ካልእ ፍልልያት ዘለኻ ኣረኣእያ ንዝዓብዩ ደቅኻ ኣብ ካልኦት ዘለዎም ኣራኣያ ዓቢ ጽልዋ ይገብረሎም።

ክሳብ ክንደየናይ ንካልኦት ተኽብር? ብዛዕባ ካባኻ ፍልይ ዝበሉ ሰባት ብኸመይ ኣገባብ ትዛረብ? ፍልልይና ምቕባል ማለት ተማሳሰልነትናን ፍልልይናን ተረዴና ምስ ካልኦት ሰባት ዘለና ኣቀራርባ ብኽብረትን ብምርዳእን ክኸውን ከሎ እዩ።

ተቐባልነት ንዘለዎ ምትብባዕ

ንውላድኻ ናይ ስድራቤትካ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ንክርድኡ ሓግዞም። ንደቅኻ ብዛዕባ ኣብ ስድራቤትካ ዘሎ ፍልልያት ሓደ ኣባል ስድራ ካብ ካልኣይ ክፍለይ ከምዝኽእልን ነብሲወከፍ ድማ ዝፈትዎን ዘይፈትዎን ነገራት ክህልዎ ከምዝኽእል ግለጹሎም።

ንውላድካ ብዛዕባ ትጽብይትታቶም ሕቶታቶም ወይ ዘሕስቦም ነገራት ንክዛረቡኻ ኣተባብዓዮም።

ንደቕኻ ንናይ ካልኦት ስሚዒትን ድልየትን ኣብ ግምት ከእትውዎ ከምዘለዎም ንክርድኡ ምሕጋዝ ከምኡ’ውን ንነሶም ኣብ ቦታ ናይቲ ካልእ ከቕምጥዎ ከምዝኽእሉ ምግባር።

ንደቅኻ እቲ ዘሎ ፍልልያት ከድንቕዎን ከኽብሩዎ ከምዘለዎም ኣርድኣዮም። እዚ ክትገብር ዘኽእል መንገዲታት ድማ ናይ ዝተፈላለየ ባህሊ ዘርኢይ ናይ ተለቪዥን መደባት ብምኽትታል ብዛዕባ ናይ ካልእ ሃገር ዓድታት ዝገልጽ መጽሓፍቲ ምንባብ፤ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ናይ ማሕበረሰብ ባህላዊ በዓላትን ፌስቲቫላትን ብምርኣይ ክኸውን ይኽእል።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.