ብቃላትን ተግባርን ስጉምቲ ምውሳድ ክጎድእ ይኽእል

ኣገባብ ኣዘራርባናን ንወስዶ ስጉምቲታትን ንደቅና ኣብ ነብስ ተኣማመንነቶም ብዙሕ ጽልዋታት ይገብረሎም።

ብብዝሒ ግዜ ካብ ንዛረቦ ቃላት እቲ ነርእዮ ጠባያት ዓቢ ግደ ኣለዎ። ንደቅኻ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ተመሓላለፈሎም ኣለኻ?

ንህጻናት ንዛረቦ ቃላት ከም መስትያት እዩ። ነጸብረቕትኡ ድማ ኣብ ኣተሓሳስብኦም እንታይ ዓይነት ሰባት ከምዝኾኑ ይርኤ።

ጎዳኢ ዝኾነ ቃላት ንምሉእ እድሜኦም ኣይርስዕዎን እዮም። ከም ወላዲ ሓደሓደ ግዜ ንውላድካ ክትብሎ ወይ ክትገብሮ ዘይደለኻ ነገር ክትገብር ትኽእል። ህጻናት ሓደሓደ ግዜ ዋላ ጎዳኢ ዝኾነ ቃላት ክርስዕዎ ይኽእሉ። እንተኾነ ግን እንተዳኣ ብተደጋጋሚ ኣሉታዊ መልእኽትታት ነሕልፈሎም እሞ ክኣምኑዎ ይኽእሉ።

ንህጻናት ምስማዕ፤

እንተዳኣ ንደቅኻ ትሰም ዖም ኾይንካ ከምትግደሰሎም የረድኦም።

ናይ ደቅኻ ሓሳቦም ንክትሰምዕ ግዜ ግበረሉ።

ሓደሓደ ግዜ ህጻናት ኣይዛረቡን ምኽንያቱ ዕድል ስለዘይወሃቦም። ኣብ ስድራቤትካ ነብሲወከፍ ቆልዓ ተሰማዕነት ከምዝህልዎ ግበር። ምስማዕ ማለት ንቓላት ጥራሕ ዘይኾነስ እቲ ቓላት ካብ እንታይ ዓይነት ስሚዒት ዝተበገሰ ምዃኑ ምፍላጥ እዩ።

ውላድካ ኣይዛረብ እምበር ክትርድኦ ፈትን። ብዙሓት ዋላ ኣይዛረቡ እምበር ኣብ ጠባዮም ክርኤ ይኻኣል። ውላድካ እንታይ ክነግረካ ይደሊ ኣሎ?

ብትዕግስቲ ክትሰምዕ ፈትን። ደቅኻ ንክዛረቡ ዕድል ሃቦም። ኣብ መንጎ ኣይተቛርጾም። ኣብቲ ክብልዎ ዝደልዮ እውን ባዕልኻ ኣይትመልኣሎም።

ተገዳስነት ኣርእዮም ከምኡ’ውን ኣብቲ ንዖኦም ዘሕጉስ ነገራት ተኻፈል።

ንደቅኻ ሕሳቦምን ስሚሚዒቶምን ክገልጽ ሓግዞም፤

ህጻናት ይሰምዑ ኣለዉ።

ክትገብሮ ዘይብልካ ነገራት።

ንደቅኻ ዕሽሽ ምባል።

ኣሉታዊ ቓላት ምዝራብ። ንኣብነት፡ ንውላድኻ ‘ዓሻ’ ወይ ‘ሕማቕ’ ኢልካ ምጽዋዕ።

ብዘይገበሩዎ በደል ምውቃስ። ንኣብነት፡ ‘ንስኻ እንተዘይኾይኑስ ሓፍትኻስ ከምኡ ኣይትገብርን ኢያ’ ወኻዓ ‘ብሰንክኻ ኣዴኻን ኣቦኻን ኩልግዜ ይበዓሱ ኣለዉ’ ምባል።

ንውላድ ፍቕሪ ምጉዳል። ንኣብነት፡ ‘ተዘይትውለድ ይሕሽ ኔሩ’ ምባል። ገጽኻ ምጽዋግ ወይ ክዛረቡኻ ከለዉ ‘ኡፍ’ ምባል።

ሓደ ቆልዓ ምስ ካልኦት ምንጽጻር።

ኣብ ቅድሚ ህጻናት ብዛዕባ ካልኦት ቀልዑት ሕማቕ ምዘአብ።

Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.