ናይ ህጻውንቲ ድሕነት ምሕላው

ከም ወላዲ መጠን ናይ ኣተዓባብያ ክዕለትና ሓደሓደ ግዜ ከም ፈተና ኾይኑ ክስመዓና ይኽእል።

ሓደ ሓደ ግዘ ካብ ቁጽጽር ዝወጻእና ኾይኑ ይስመዓና። ኣብ ገለ ኩነታት ድማ እቲ ዘለና ውልቃዊ ሽግራት ንደቅና ከይንግደሰሎም ከግድድና ይኽእል። ናይዚ ሳዕቤን ድማ ደቅናኻ ምንጻግ ወይ ምጉዳእ ክኸውን ይኽእል። በዚ ጉዳይ ምዝራብ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል። እቲ ዘሕዝን ነገር ግን ንህጻውንቲ ምጉዳእን ምንጻግን ዝተለመደ ተግባር ምዃኑ እዩ። እዚ ዓይነት ሽግራት ካብ ተፈላለየ ድሕረባይታ ንዝመጹ ሕጻውንትን ስድራቤትን ዝተፈላለየ ምኽንያት ክፍጠር ይኽእል።

ምንጻግን ምጉዳእን ንህጻውንቲ ኾነ መንእሰያት ሕማቕ ኩነታት ብምፍጣር ብርቱዕ ናይ ስሚዒታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ኣእሙሯዊ ሽግራት ክፈጥረሎም ይኽእል።

ንህጻውንቲ ምጉዳእ ነብስተአማመንነቶም ትሑት ይገብሮ ጥራይ ዘይኾነ፣ ኣብ ዓቕሚ ናይ ትምህርቶም ከምኡ’ውን ጠባያቶም ጸገም ይፈጥረሎም።

ህጻናት ድሕንነቶ ክሕልወሎም መሰሎም እዩ።

ከም ወላዲ መጠን ጉድኣት ቅድሚ ምፍጻሙ መዓስ ሓገዝ ከምዘድልየካ ምፍላጥ ሓላፍነትካ እዩ።

እንተዳኣ ንውላድኻ ትጎድኦ ኾይኑ ተሰሚዑካ ብቅጽበት ሓገዝ ምሕታት ኣድላዩ እዩ።

እቲ ትገብሮ ዘለኻ ጠጠው ኣብሎ።

እቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ንውላድካ ኾነ ንዓኻ ብከመይ ከምዝትንክፈካ ሕሰበሉ።

ነቲ ዘሎ ነገራት ክትቅይር ጽዓር።

ለውጢ ንኽትገብር ሓገዝ ሕተት።

ሓገዝ ንምሕታት ትብዓት የድልዮ። ይኹን እምበር ስጉምቲ ምውሳድ ንውላድኻ ኾነ ንነብስኻ ወሳኒ እዩ።

ሓገዝ ምሕታት፡

  • ኣብ ውላድካ ዘለካ ፍቕሪ የንጸባርቖ
  • ጸገም ከምዘሎ ናይ ምቕባል ክዕለትካ ይገልጽ
  • ናይ ስድራቤትካ ኩነታት ንክቕየር ዘለካ ድልይርት የረጋግጽ
  • ንዘሎ ነገራት ከተመሓይሽ ትገብሮ ጻዕሪታት የርኢ።
Listen
Update Required To play the media you will need to either update your browser to a recent version, enable javascript or update your Flash plugin.