ኣብ ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ስድራቤት ኣተዓባብያ ቆልዓ

ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ስድራቤት ሓደ ካብቶም ልሙዳት ዓይነት ስድራቤታት ኮይኖም ኣለዉ።

ነፍሲወከፍ ሰብኣይኣደ/ሰይተቦ ስድራቤታት ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ክልቲኦም ሞሳን በዳህ ተሞኵሮ ይህልዎም። ንኩሎም ሓደስቲ ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ስድራቤታት ሓድሽ ስድራቤት ይኸውን ስለ ዘሎ ናይ ገለ ለውጥን ምስትኽኻልን ግዜ የድልዮ እዩ። እዚ ግዜ’ዚ ዝምድና ቆልዑ ምስ ነፍሲወከፍ ወለዶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ግምት ክወሃቦ ይግባእ።

ቆልዑ ብወለድን፡ ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦን ኣዝዮም ዘፍቅሩዎም ምዃኖም፡ ምፍልላይ ናይ ወለዶም ናቶም ጌጋ ከምዘይኮነ ክተኣማመኑ የድሊ። ነፍሲወከፍ ወላዲ ብዛዕባ’ቲ ካልእ ወላዲ ብጽቡቕ ኣገባብ ክዛረብ ከምዘለዎ ከረጋግጽ የድሊ። ወለዲ ብዝካኣል መጠን ግዜኦም ምስ ደቆም ከሕልፉዎ የድሊ። ቆልዑ ምስ ወለዶም ይንበሩ ኣይንበሩ፡ ክልቲኦም ወለዲ ኣካል ናይ ሂወቶም ምዃኖም ክተኣማመኑ የድሊ።

ምስ ደቆም ዘይቅመጡ ወለዲ ኣገዳሲ ግደ ክጻወቱ ኣለዎም። ቆልዑ ብዛዕባ’ቶም ሓደስቲ ስድራቤቶም ዘገድሶም ነገራት ምሳኻ/ምሳኺ ክካፈሉ ይደልዩ ይኾኑ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክትሰምዑዎምን ክትሕግዙዎም ይደልዩኹም። ቆልዑ ምስ ሓደስቲ በጽሕን ቆልዑ ናብ’ዚ ሓድሽ ኣብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ስድራቤት ዝምድና ክጅምሩ ከለዉ ካብ ክልቲኦም ወለዲ ዕንገላን፡ ስላምን፡ ድሕንነትን የድልዮም።

ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ኣብ ሓድሽ ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ስድራቤት በዞም ዝስዕቡ ክሓስቡ ይግባእ፡-

  • ምስ ደቂ ሓድሽ በዓልቤት ዝምድና ምምዕባል
  • ሓደስቲ ደቀቦታት/ደቀዴታት ኣብ ነንሕድሕዶም ዝምድና ንከማዕብሉ ምሕጋዝ
  • እቲ ቅድም ክብል ዝነበሮም ኣገባብ ኣተዓባብያ ሓደ ዓይነት ወይ ነንበይኑ ይኹን እብ’ዚ ሓድሽ ስድራቤት ብናይ ሓባር ኣገባብ ኣተዓባብያ ይሳማምዑ።

ንገለ ቆልዑ ናብ’ዚ ሓድሽ ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ስድራቤት ምስጋር ይከብዶም ይኸውን፡ ማለት እቶም ቆልዑ፡-

  • ኣብ’ቲ ስድራቤት ቦታኦም ክስእኑ ይኽእሉ
  • ኣብ ንበይኖም ክፍሊ ዝለመዱ ኣብ ሓደ ክፍሊ ምስ ካልእ ምክፋል ክኸውን ይኽእል
  • ቅድሚ’ዚ ሓድሽ ዝምድና ንወላዶም/ንወላዲቶም ንበይኖም ወኒኖሞም ዝነበሩ ሕጂ ግና ምስ ካልኦት ምክፋል
  • ናብ’ቲ ናይ ቀደም ስድራቤት ክምለሱ ምድላይ
  • ናብ ካልእ ገዛ ክለቁ፡ ኣዕርክቶም፡ ቤት ትምህርቶምን ካልኦት ዝፈልጡዎም እንተላይ እቲ ካልእ ወላዲ ገዲፎም ናብ ካልእ ገዛ ስለ ዝለቁ።

ይኹን እምበር ኣብ’ዚ ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦ ስድራቤት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ይኸውን። ከም፡-

  • ወለዶም ኣብ’ዚ ሓድሽ ዝምድና ዝያዳ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ
  • ዝያዳ በጽሒታት እንተሎ ኣቦሓስጎ/እኖሓጎ ዝካናኸኑዎም ስለዘዉ
  • እቲ ቆልዓ ሓደስቲ ኣሓትን ኣሕዋትን ስለ ዝህልዎ
  • እንደጋና ኣባል ስድራቤት ናይ ምዃን ዕድል ስለ ዝረክብ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰላ ናይ ምስግጋር ግዜ ወለድን ሰብኣይ ኣደ/ሰይተቦን ብዙሕ መገዲታት ኣሎ ንደቆም ክሕግዝሉ ዝኽእሉ።

ቆልዑ ንስምዒታቶም ብባህርያቶም የርእዩዎ። እንተዳኣ ጠባይ፡ ባህርያት ቆልዑ ናብ ሕማቕ ተቐይሩ፡ እቶም ቆልዑ ጽቡቕ የለናን ይብሉ። ውላድኩም ብቓላቱ ኮነ ብብባህርያቱ ዝነግረኩም ተጠንቀቑ፡ ነት ዘሸግሮም ነገራት ተገዳስነት ወሰዱሉ።

ቆልዓ እንተዳኣ እቲ ናይ ምስግጋር ግዜ ጸጊሙዎ እዞም ዝስዕቡ ልሙዳት ዝኾኑ ባህርያት የመልክት፡-

  • ደረጃ ምዕባሌኡ ንድሕሪት ምምላስ ከም ኣብ ዓራት ምሻን ወይ ቆልዓዊ ዘረባ ምዝራብ
  • ምብህራርን ካልኦት ናይ ድቃስ ምስኣን ጸገማት
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገም ምህላው፡ ኣካዳሚያዊ ደረጃኦም ምንቁልቋል፡ ቀደም ብተገዳስነት ዝገብሩዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ክሳተፉ ዘይምድላይ
  • ቁጡኦኣት ምዃን ወይ ምንስሓብ።

ከም ወለዲን ሰብ ኣይኣደ/ሰይተቦ ናይ ግድን፡-

  • ንደቅኹም ስምዑ
  • ነት ኩነታት ካብቲ ንዓኣቶም ዝርኣዮም ክትርድኡዎ ፈትኑ
  • ኣብ’ዚ ሓድሽ ስድራቤት ንኹሎም ቆልዑ ዝስምዖም ወይ ጸገም እንተለዎም ንክዛረቡ ኣታባቡዑዎም
  • ንዝምድናታት ደግፉ እንተኾነ ግና ብደረጃ’ቲ ንሳቶም ክስጉሙዎ ዝኽእሉ ንክምዕብሉ ፍቐዱሎም
  • ኣብ’ዚ ሓድሽ ናይ ስድራቤት ናብራ ልሙድን ተዳጋጋሚን ዝኾነ ምምርሒ ምግባር ድሕንነት ንኹሎም ቆልዑ የበርክት
  • ምስ ነፍሲወከፍ ቆልዓ ሓደ ንሓደ ኣንትራከቡ ግዜ ግበሩ
  • ንውላድኩም ከምተፍቅሩዎምን ኩሉ ግዜ ንዓኣቶም ኣብ ኡከም ዘለኹምን ኣዘኻኽሩዎም።